Fana: At a Speed of Life!

ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ፖለቲካዊን ዓለም ለኻዊን ምግባር ንኹሉ ሰዓራይ ዝገብር ውፅኢት ኣየምፅእን ኣይተ ደመቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ ፖለቲካዊን ዓለም ለኻዊን ምግባር ዘይኮነስ መንፈስ ምትሕብባር፣ ምርድዳእን ምውሃድን ክኸውን ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደንን ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ ዝርከባ ኤምባሲታት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ብምትሕብባር ኣብ ዘሰናድኡዎ መድረኽ ዘተ ተረኺቦም መደረ ኣስሚዖም።

ኣብ መደረኦም ድማ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ከይዲ ድርድር ንኹሉ ሰዓራይ ኣብ ዝገብር ውፅኢት ንምብፃሕ ግብፂን ሱዳንን ሃናፂ ዝኾነ መገዲ እንተተኸቲለን፥ እቲ ድርድር ፅቡቕ ዕድል ኢዩ ኢሎም።

ሂደቱን ፖለቲካዊ እና አለም አቀፋዊ በማድረግ በኢትዮጵያ ላይ አላስፈላጊ ጫና ለማድረግ መሞከር ኢትዮጵያ የቅኝ ግዛት ዘመን ስምምነቶችን እንድትቀበል አያደርጋትም ነው ያሉት

እቲ ከይዲ ፖለቲካዊን ዓለም ለኻዊን ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ዘይኮነ ፅዕንቶ ንምግባር ምፍታን ኢትዮጵያ ናይ ዘበነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ስምምዓት ንኽትቅበል ከምዘይገብራ ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ መደረኦም፥ ኢትዮጵያ ካብ ተፋሰስ ሃገራት ሩባ ኣባይ ንግብፂን ሱዳንን ጥራሕ ተረባሕቲ ዝገብር ፍትሓዊ ዘይኮነ ስምምዕነት ከምዘይትቕበል ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣባል ጉጅለ ተደራደርቲ ግድብ ህዳሰ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ይልማ ስለሺ ብግደኦም፥ ግብፂን ሱዳንን ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘተኮረ ልዝብ ካብ ምግባር ሓሊፈን ኣብ ምክፋል ማይ ምድሃበን ኣብሪሆም።

ንኢትዮጵያ ድማ ድሌት ምልማዕ መፃኢ ትውልዲ ኣብ ፀገም ዘውድቕ ስምምዕነት ኣይትፍርምን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.