Fana: At a Speed of Life!

ጉዳዮም ብሕጊ ክከታተሉ ዝፀንሑ 60 ዜጋታት ምሕረት ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ብዝተፈላለየ ምኽኒያታት ጉዳዮም ብሕጊ ክከታተሉ ንዝፀንሑ 60 ዜጋታት ምሕረት ገይሩሎም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ንኢቢሲ ከምዝበልዎ፥ መንግስቲ ክሲ 60 ዜጋታት ብምቁራፅ ምሕረት ንክግበረሎም ወሲኑ ኣሎ።

ምህዳር ፖለቲካ ንምስፋሕን መንግስቲ ይኹን ተሃነፅቲ ኣብቲ ጉዳይ ኣስተመህሮ ብምውሳዶምን እቲ ምሕረት ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ መንግስቲ ሕቶ ዜጋታት ብምድማፅን ማሕበራዊ ኩነታት ብምዕዛብን እቲ ውሳነ ከምዝሃበ ተገሊፁ።

ብመሰረት መንግስቲ ዝገበሮ ምሕረት ዝርዝር ኩነታትን ኣፈፃፅማን ብዝምልከት ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ መግለፂ ከምዝህብ ድማ ኣይተ ንጉሱ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.