Fana: At a Speed of Life!

ጉዳዮም ብሕጊ ክከታተሉ ዝፀንሑ 63 ዜጋታት ክሶም ብምቁራፅ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወፅኡ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ብዝተፈላለየ ምኽኒያታት ጉዳዮም ብሕጊ ክከታተሉ ንዝፀንሑ 63 ዜጋታት ክሶም ብምቁራፅ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወፅኡ ከምዝተወሰነ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጌ ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ገሊፁ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ።

ዕላማ እቲ ምቁራፅ ክሲ፥ ምህዳር ፖለቲካ ንምስፋሕን መንግስቲ ይኹን ተሃነፅቲ ኣብቲ ጉዳይ ኣስተመህሮ ብምውሳዶምን ከምዝኾነ ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን እቲ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ኣይተ ዝናቡ ቱኑ ገሊፆም።

ብተወሳኺ መንግስቲ ሕቶ ዜጋታት ብምድማፅን ማሕበራዊ ኩነታት ብምዕዛብን እቲ ውሳነ ከምዝሃበ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ 63 ዜጋታት ክሶም ብምቁራፅ ሎሚ መዓልቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወፅኡ ዝተገበረ እንትኸውን፥ እቶም ዜጋታት ኣብ ሜቴክ ምስ ዝነበረ ግዕዝይናን ኣብዛ ሃገር ኣጋጢሙ ምስ ዝተብሃለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ብምስታፍ ተጠርጢሮም ክሲ ተመስሪቱሎም ዝነበሩ ኢዮም።

ብተወሳኺ 15 ሰነ ምስ ዝተፈፀመ ምንቷግ ቡባን ኣብ ዞባ ሲዳማ ኣጋጢሙ ምስ ዝነበረ ጎንፂን ብምትሕሓዝ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ካብ መንጎ ዝነበሩ ዜጋታት ክሶም ክቋረፅ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

እቶም ዜጋታት በቶም ዝተጠርጠርሎም ጉዳያት ግደ ኣመራርሓ ዘይነበሮምን ዝነኣሰ ተራ ዝነበሮም ከምዝኾኑን እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.