Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ህወሓት ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ኣብ ዝተሸሙሉ መዓልቲ ናይ ውልቀ ሓለውቶም ናብ ቢሮን መንበሪ ገዝኦምን ከየኣትዉ ይኽልክሉዎም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተልዓሉሎም ሓቶታት መልሲ ይህቡ ኣለዉ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘሃቡዎ ምላሽ፥ ኣብ 2010 ዓ.ም ሓዱሽ ምምሕዳር ክህልዎም ኣብ ዝኽእሉ ሰባት ጉጅለ ህወሓት መስመር ክትትል ዘርጊሑ ፅዕንቶ ንምፍጣር ፃዕሪ እናገበረ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኢህወዴግ ኣብቲ እዋን ሕፁይ ቀዳማይ ሚኒስትር ቅድሚ ምቕራቡ ህወሓት ብምሽጢር ናይ ባዕሎም ድሌት ከማልእ ዝኽእል ውልቀሰብ ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሮም ንምሻም እናሰርሑ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብ 2010 ዓ.ም እቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ንኹሉ ኣሳታፊ ዝገብር ፖለቲካዊ ስርዓት ንምዝርጋሕ ዝተበገሰ ይኹን እምበር እቲ ናይ ለውጢ ሓሳብ ውድቂ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ኣብ ዝተሸሙሉ መዓልቲ ናይ ውልቀ ሓለውቶም ናብ ቢሮን መንበሪ ገዝኦምን ከየኣትዉ ይኽልክሉዎም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.