Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ህወሓት “ደምሲሰዮ ኢየ” ብምባል ናይ ሓሾት ዜና ዝወዘዐሉ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት ሐዚ እውን ብጅግንነትን ብዝለዓለ ዓወትን ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ህወሓት “ደምሲሰዮ ኢየ” ብምባል ናይ ሓሾት ዜና ዝወዘዐሉ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት ሐዚ እውን ብጅግንነትን ብዝለዓለ ዓወትን ይቕፅል ከምዘሎ ምክትል ኣዛዚ ኦፕሬሽን እቲ ክፍለ ሰራዊት  ኮሎኔል መንግስቱ ደሴ ተዛሪቦም።

ኣብ ግምባር ራያ ሕጊ ናይ ምኽባር ተልእኾ ዝተውሃቦ እቲ ክፍለ ሰራዊት እቲ ጁንታ ቅድመ ሐዚ ተዳሊዩ ምሽግ ሃኒፁሉ ዝነበረ ወሳኒ ቦታታት እናልቀቐ ዝገጠሞ ሰራዊት እውን እናደምሰሰ ይጓዓዝ ኣሎ ኢሎም።

ኮሎኔል መንግስቱ ደሴ ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ክፍለ ሰራዊት ከሓዲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ኣብ ልዑል ስምብራት ልቢ ብምዃን ነቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብዝለዓለ ወነን ሕራነን ይድምስሶ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ሓሾት ናይ ኩሉ ጊዜ ተጋበሩ ዝኾነ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ደምሲሰዮ ኢየ ዝበሎ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ዓውደ ኲናት ዓወት እናሓፈሰ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ መጥቃዕቲ ይፍፅም ከምዘሎ ገሊፆም።

ከቢድ መጥቃዕቲ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት ምፅዋር ዝኣበዮ ሰራዊት ከሓዲ ጉጅለ እውን ብኣብዝሓ እናተማረኹን እናሃደሙን ብምህላዎም ዓወት ይሕፈስ ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ክፍለ ሰራዊት ብዝገበሮ ህልካ ዘወድእ ኲናት ናይቲ ጁንታ ኮንክሪት ምሽግ ናብ ሓመድ ከምዝተቐየረ እውን ኣረዲኦም።

ብሃይለሚካኤል ዴቢሳ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.