Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ልኡኽ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ምስ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ልኡኽ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ምስ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ መለስ ኣለምን ኣብ ኬንያ ምስ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣቦታት ትካላት ሃይማኖትን ተዛቲዩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ካብ ሃገር ወፃእ ካልኣይ ዝኾነ ጨንፈር እቲ ጉባኤ ኣብ ኬንያ ምውዳብ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ምይይጥ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ካብ ኩለን ትካላት ሃይማኖት ዝተውፃእፅአ ወዳቢ ኮሚቴ ተሓርዩ።

ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብቲ እዋን ዘተ፥ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ናይሮቢ መፂኡ ንኢትዮጵያውያን ንምውዳብ እናገበሮ ዝርከብ ምንቅስቓስ ብምምስጋን ድሕሪ ሕዚ ሙሉእ ሓገዝ እቲ ኤምባሲ ከምዘይፍለዮ ኣረጋጊፆም።

እቲ ጉባኤ ጨንፈር ምውዳቡ ኣብ ኬንያ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ምስ እምነት ተተሓሒዙ ዝህልዎም መሰላትን ረብሓታትን ንምሕላው ዝሕግዝ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ተሳተፍቲ ከምዝገብሮም ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ምሕዝነት፣ ምትሕብባርን ፍቕሪን ኢትዮጵያን ኬንያን ከምዘጠናኽር ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ጉባኤ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.