Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ኮማንዶን ምርመራ ገበንን ፖሊስ ፌዴራል ናብ መቐለ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉጅለ ኮማንዶን ምርመራ ገበንን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ናብ መቐለ ምእታዉ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።
እቲ ናብ መቐለ ዘኣተወ ጉጅለ፥ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምውዳድ ተደላዪ ጉጅለ ህወሓት እናሃደነ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ጉጅለ ኮማንዶ ኣብታ ከተማ ኣብዝገብሮም ዳህሳሳትን ዝተፈላለዩ ወፍሪታትን ከምኡ እውን በቲ ጉጅለ ምርመራ ገበን ዝርከቡ ውፅኢታት ኣብ ቀፃሊ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበሩ ተሓቢሩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.