Fana: At a Speed of Life!

ጋቦንን ቶጎን ናብ ጉጅለ ሓበራዊ ሃገራት ምዕባለ ንምፅምባር ዘቕረቡዎ ሕቶ ተቐባልነት ምርካቡ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋቦንን ቶጎን ናብ ጉጅለ ሓበራዊ ሃገራት ምዕባለ (ኮመን ዌልዝ) ንምፅምባር ዘቕረቡዎ ሕቶ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ተቐባልነት ምርካቡ ተሓቢሩ።

54 ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ጉጅለ ኮመን ዌልዝ ክልቲአን ሃገራት ተወሰኽቲ ኣባላት ተቐቢሉ ዘሎ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ መዕፀዊ መዓልቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝተኻየደ ጉባኤ ሃገራት ኮመን ዌልዝ እንትዛዘም ፕሬዚዳንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ጋቦንን ቶጎን ኣብ ኮመንዌልዝ ኣባልነት ከም ስድራቤት ከምዝተፀምበራ ኣፍሊጦም፡፡

ሩዋንዳ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2009 ኮመን ዌልዝ ምስተፀምበረት ክልቲአን ብኣባልነት ዝተፀምበራ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ፈላሞት ፈረንሳይኛ ተዛረብቲ ሓደሽቲ ኣባላት ከምዝኾና ተሓቢሩ።

መብዛሕተአን ኣባል ሃገራት ኮመንዌልዝ ነበር ባዕዳዊ ግዝኣታት ብሪታኒያ ከም ምዃነን እንግሊዝኛ ተዛረብቲ ከምዝኾና ሲ ጂ ቲ ኤን ኣብ ፀብጻቡ ኣዘኻኺሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.