Fana: At a Speed of Life!

ጋንታታት ስሑል ሽረን ሃዋሳ ከተማን ምስ ኣሰልጠንተን ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታታት ፕሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ስሑል ሽረን ሃዋሳ ከተማን ምስ ኣሰልጠንተን ተፈላሊየን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መልቀቒ ደብዳቤ ዘእተዉ ኣሰልጣኒ ጋንታ ስሑል ሽረ ሳምሶን ኣየለ፥ ካብታ ጋንታ ከምዝተፈላለዩ ካብ ሶከር ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንሓደ ዓመት ዝኣክል ምስታ ጋንታ ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ኣሰልጣኒ፥ ብውልቂ ምኽንያት ካብታ ጋንታ ከምዝለቐቑ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ዜና፥ ቦርድ ጋንታ ሃዋሳ ከተማ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ንዝነበሩ ኣዲሴ ካሳ ብምስንባት ንብርሃኑ ወርቁ ብግዚያዊ አሰልጣኒነት ምሻሙ ተሓቢሩ።

ኣሰልጣኒ ኣዲሴ ካሳ ኣብ መበል 15 ሶሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ምስ ጋንታ ፋሲል ከነማ ተራኺቦም 3 ን 2 ካብ ዝስዕሩ ንደሓር ንሓደ ሶሙን ናብታ ጋንታ ከምዘይተመለሱ ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ቦርድ እታ ጋንታ ብዝገበሮ ኣኼባ፥ ነቶም ኣሰልጣኒ ብምስንባት ኣሰልጣኒ ትሕቲ 20 ዓመት ናይታ ጋንታ ንዝነበሩ ብርሃኑ ወርቁ ብጊዚያዊነት ሾይሙዎም ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.