Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ባየር ሙኒክ ተዓዋቲት ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ እዚ ዓመት ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጀርመናዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ባየር ሙኒክ ንፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴንት ጀርመንን ብምስዓር ተዓዋቲት ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ እዚ ዓመት ኮይና።

ውድድር ፍፃመ ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ 2019/2020 ትማሊ ምሸት ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርቹጋል ከተማ ሊዝበን ተኻይዱ።

ኣብቲ ፀወታ ጀርመናዊት ጋንታ ባየር ሙኒክን ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴንት ዤርሜንን ዝተራኸባ እንትኾና፥ ባየር ሙኒክ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ።

ብሕታዊት ሽቶ ባየር ሙኒክ ድማ ኪንግስሌይ ኮማን ኣብ መበል 59 ደቒቕ ኣመዝጊቡዋ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ ጀርመናዊት ጋንታ ባየር ሙኒክ ተዓዋቲት ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ዓመተ 2019/2020 ኮይና ኣላ።

ጋንታ ባየር ሙኒክ ኣብዚ ዓመት ዘካየደቶም ኩሎም ፀወታታት ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ብዓወት ብምዝዛም ታሪኽ ክተመዝግብ ክኢላ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.