Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ቪያርል ሻምፒዮና ዩሮፓ ሊግ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋንታ ቪያርል ንጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ብምስዓር ሻምፒዮና ዩሮፓ ሊግ 2020/2021 ኮይና።

እንግሊዛዊት ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድን ስፔናዊት ጋንታ ቪያርያልን ዘራኸበ ናይ ፍፃመ ፀወታ ብዓወት ጋንታ ቪያሪያል ተዛዚሙ።

ስሩዕ ፀወተአን ሞሬኖ ኣብ መበል 29 ደቒቕ ንቪያርያል፣ ኢዲሰን ካቫኒ ኣብ መበል 55 ደቒቕ ንማንቸስተር ዩናይትድ ብዘመዝገቡወን ሽቶታት ማዕረ ዝተፈላለያ እንትኾና፥ ናብ ተወሳኺ ሰዓት ኣምሪሐን እውን ሽቶ ከቑፅራ ኣይከኣላን።

ስለዝኾነ ድማ ናብ ፍፁም ቅላዕ ኣምሪሐን ቪያርያል 11 ን 10 ብዝኾነ ብፍፁም ቅላዕ ውፅት ሻምፒዮን ክትከውን ክኢላ።

ኩሎም ተፃወትቲ ጋንታ ቪያርያል ፍፁም ቅላዕ ዘመዝገቡ እንትኾኑ፥ ብወገን ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ሓላዊ ጎል ዴቪድ ዴህያ ብምስሓቱ ማንቸስተር ዩናይትድ ክትሰዓር ተገዲዳ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.