Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንኣዳማ ከተማ እንትትስዕር ኣቡበክር ናስር ሃትሪክ ሰሪሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 12 ሰሙን ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንጋንታ ኣዳማ ከተማ 4 ን 1 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡

ክልቲአን ጋንታታት ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ሰዓት 4 ኣብ ስታዲየም ባህርዳር ፀወተአን ኣካይደን፡፡

ሰለስተ ሽቶታት ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ኣቡበክር ናስር እንተመዝግብ፤ ታፈሰ ሰለሞን ድማ ነታ ራብዐይቲ ሽቶ ኣመዝጊቡዋ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣቡበክር ናስር ሃትሪክ ክሰርሕ ክኢሉ፡፡

ኣብናይ ድሕሪ ሰዓት መርሃ ግብሪ ጋንታታት ወልቂጤ ከተማን ቅዱስ ጊዮርጊስን ክራኸባ ኢየን፡፡

እቲ ሊግ ፋሲል ከነማ ብ28 ነጥቢ እንትመርሕ፥ ኢትዮጵያ ቡና ብ24 ነጥቢ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብ21 ነጥቢ ይስዕባ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.