Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዋና ኣሰልጣኒኣን ሓገዝቶምን አጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓ ቦርድ ስራሕ ማሕበር ስፖርት ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ልዕሊ ዋና ኣሰልጣኒ፣ ሓገዝቲ ኣሰልጠንቲን ኣሰልጣኒ ሓላዊ ልዳትን ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ እገዳ ምንባሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣመራርሓ ቦርድ ስራሕ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት እታ ጋንታ ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋም ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣሰልጠንቲ ግዜያዊ እገዳ ብምንባር ኣብ ተግባር ምስልጣን እታ ጋንታ ከይሳተፉ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ኣመራርሓ ቦርድ ስራሕ፥ ኮሚቴ ቴክኒክ ንኽናበት ከምዝወሰነ እውን ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ነበር ኣባል ኣመራርሓ ቦርድ ስራሕን መራሒ ጉጅለ እታ ጋንታን ኣይተ ታፈሰ በቀለ ናብ ሓላፍነቶም ንኽምለሱ ምውሳኒ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፅ እታ ጋንታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.