Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ብሰፊሕ ኣፋላላይ ሸቶ ተሳዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተካየደ ብሕታዊ ፀወታ መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ብሰፊሕ ኣፋላላይ ሸቶ ተሳዒራ።

እታ ጋንታ 5 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ኢያ ተሳዒራ።

እተን ሸቶታት ድማ ሃብታሙ ገዛሀኝ ኣብ መበል 21 ደቒቕ፣ ኣስ ግደይ 59ን 70 ደቒቓ፣ ይገዙ ቦጋለ 65 ደቒቓ ከምኡ እውን ኣበባየሁ ዮሃንስ ኣብ መበል 69 ደቒቓ ከቑፅሩወን ክኢሎም።

ብመሰረት እዚ ጋንታ ሲዳማ ቡና ደረጅኣ ብምምሕያሽ ካብ 11 ደረጃ ንወልዋሎ ብሸቶ ብምብላፅ ናብ 7ይ ክትመፅእ ክኢላ ኣላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.