Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ወልዋሎ ካብ ዝኾነ ይኹን ውድድር ተኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንጋንታ ወልዋሎ ካብ ዝኾነ ይኹን ውድድር ከምዝኣገዳ ኣፍሊጡ።

እቲ ፌዴሬሽን ንጋንታ ወልዋሎ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳቤ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ጋንታ ምስ ዘገልገሉ ሸሞንተ ተፃወትቲ ተተሓሒዙ 14 ጥሪ 2012 ዓ.ም ብኣካላት ፍትሒ ዝተውሃበ ውሳነ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ተግባራዊ ንኽትገብር ገደብ እዋን ተዋሂቡዋ ከምዝነበረ ኣብሪሁ።

ይኹን እምበር ጋንታ ወልዋሎ ብዝምልከቶ ኣካል ፍትሒ ዝተውሃበ ውሳነ ብመሰረት በቲ ፌዴሬሽን ዝተውሃባ ገደብ እዋን ከምዘይፈፀመት ገሊፁ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ እታ ጋንታ፥ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ካብ ዝህቦም ዝኾነ ይኹን ግልጋሎታት ከምዝተኣገደት ኣፍሊጡ ኣሎ።

ፍልፍል፦ ሶከር ኢትዮጵያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.