Fana: At a Speed of Life!

ጋዜጠኛ ፍፁም ብርሃነን ጋዜጠኛ ታምራት የማነን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋዜጠኛ ትግራይ ሚዲያ ሃውስ ፍፁም ብርሃነን ዋና ኣዳላዊን ተወካሊ ኢትዮጵያን ዓይጋ ፎሮም ጋዜጠኛ ታምራት የማነን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።
ዋና ኣዛዚ 3ይ ሻለቃ ደረጄ ዴቢሳ ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ትሕቲ ውዳበ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዃን ምስ ሓይሊታት ፀረ ሰላም እናሰርሑ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ሓዊሱ ጋዜጠኛ ትግራይ ሚዲያ ሃውስ ፍፁም ብርሃነን ዋና ኣዳላዊን ተወካሊ ኢትዮጵያን ዓይጋ ፎሮም ጋዜጠኛ ታምራት የማነን ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ውልቀ ሰብ ስቱዲዮ ተኻርዮም ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ብቐጥታ ፈነወ ኣብ ዘመሓላልፉሉ እዋን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።
ኣብ ገዛ እቶም ውልቀ ሰባት ብዝተገበረ ፍተሸ እውን ንጉጅለ ዕጡቕ ጁንታ ናብ በረኻ ንምልኣኽ ዝተሰናድኡ ብዙሓት ኣፋውስ፣ ክዳውንቲ፣ ፕሮፓጋንዳ ንምፍናው ዝሕግዙ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስን ብዙሓት ዶኩመንታትን ከምዝተረኸቡ ተዛሪቦም።
ሳልሳይ ኮማንዶ ሻለቃ፥ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ፀላኢ ዝምከሐሎም ምሽጋት ብምስባር ስትራቴጂካዊ ቦታታት ብምቁፅፃር ታሪኽ ዘይርሰዖ ተጋድሎ ከምዝፈፀመ እውን ገሊፆም፡፡
እቲ ሻለቃ ኩለመዳይ ኩነታት ፀፅታ ከተማ መቐለ ንምርግጋፅ ቀትሪን ለይቲን ስራሕቲ ፓትሮሊንግ ብምስራሕ ኣብታ ከተማ ዝረኣዩ ተግባራት ስርቂ ምንካይ ከምዝኸኣለ ምግላፆም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣባላት እቲ ኮማንዶ ሻለቃ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበር ኩለመዳይ ሓገዝ ጥንኩር ዓጀባ ብምግባር ናብ ሕብረተሰብ እናብፅሑ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.