Fana: At a Speed of Life!

ግሩፕ ራክሲኦ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ማእኸል መጠራቐሚ ሓበሬታ ክሃንፅ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ ራክሲኦ ዝተብሃ ግሩፕ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ማእኸል መጠራቐሚ ሓበሬታ ከምዝሃንፅ ኣፍሊጡ።

እቲ ማእኸል ሓበሬታ ንምህናፅ ዘኽእሎ ቦታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፓርክ ኣይሲቲ ዝረኸበ እንትኸውን፥ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ናብ ስራሕ ክኣቱ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ማእኸል ህንፀቱ እንትዛዘም፥ ንዓማዊሉ እዋኑ ዝሓቶን ቀደምቲ ዝኾኑ ቴክኖሎጂታትን ብምቹው ከባቢ ግልጋሎት ከምዝህብ ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምስ ዘሎ ለውጢ ተተሓሒዙ፥ ንኦፕሬተራት ቴሌኮም ፍቓድ ንመሃብ ኣብ ምድላው ስለዝርከብ፤ ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ብቕልጡፍ ክዓቢ ከምዝኽእል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ሰንደኮ ደበበ ተዛሪቦም

እቲ ጉሩፕ ኣብ ኢትዮጵያ ምውፋሩ፥ ዓቕሚ መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ንምዕባይን ንምጥንኻርን ልዑል ግደ ከምዝህልዎ እውን እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም።

ዓቕሚ ኣይሲቲ እቲ ግሩፕ ንዝቕፅ ሓሙሽተ ዓመታት 1 ነጥቢ 5 ሜጋ ዋት ከምዝኸውን ዝተገለፀ እንትኸውን፥ መጠን ድሌቱ ተራኢዩ ናብ 3 ሜጋ ዋት ክብ ከምዝብል ካፒታል ሚዲያ ፀብፂቡ።

ግሩፕ ራክሲኦ፥ ኣብ መሰረተ ልማት ኦፕሬተራት ኔትዎርክ ሞባይል፣ መቕረቢ ትሕዝቶ ኔትዎርክታትን ፋይናንስ ግላጋሎት ወሃብቲ ትካላትን ወሳኒ ስርዓት ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽን ንኽመርሑ ከምዝሕግዝ ፕሬዚዳንት እቲ ትካል ሮበርት ሙሊን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.