Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ሓይሊ ህፁፅ ጊዘ ክልል ትግራይ ብጄኔራል ዮሃንስ እናተመርሐ ነቲ ክልል ናይ ምርግጋዕን እግሪ ናይ ምትካልን ስርሑ ክቕፅል ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ቀፀልቲ ስጉምቲታትን ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ግብረ ሓይሊ ህፁፅ ጊዘ ክልል ትግራይን ጊዝያዊ ምምሕዳርን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ገሊፆም።

ግብረ ሓይሊ ህፁፅ ጊዘ ክልል ትግራይ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ብጄኔራል ዮሃንስ ገብረመስቀል እናተመርሐ ነቲ ክልል ናይ ምርግጋዕን እግሪ ናይ ምትካልን ስርሑ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም።

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.