Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንክልተ ዓመት ዝኸውን ቀለብ ካብ ክልል ኣምሓራ ንምእካብ ተሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንክልተ ዓመት ዝኸውን ቀለብ ካብ ክልል ኣምሓራ ንምእካብ ተሊሙ ይንቀሳቐስ ኣሎ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒክሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ኣገልግሎት ኮሚኒክሽን መንግስቲ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ንዝሓለፉ ተኸታተልቲ መዓልታት ልዑል መንጋ ብምስላፍ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ዘረፋ እኽሊ ገይሩ ኢሉ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒክሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ፥ ብመንጋ ዝመፅአ ሓይሊ ሙዉትን ቁስለኛን እናኾነ ብመከላከያን ከልኦት ሓይሊታት ፀፅታን ይድምሰስ ኣሎ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝተልዓለ ህወሓት፥ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ምቕታሉን ደቂ ኣኒስቲዮ ብኣሰቃቒ ኩነታት ምድፋሩን ተዛሪቦም።

ስኑዕ ወረታት ብምንዛሕ ህዝቢ ናይ ምርዓድ ተግባር ይፍፅም ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

እዛ ሃገር ኣብዚ ሐዚ እዋን ንክልተ ግንባር ኢያ ትቃለስ ዘላ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ እሱ እውን ወታደራዊን ኢኮኖሚያዊን ግንባር ከምዝኾነ ህዝቢ ክፈልጥ ኣለዎ ኢሎም።

ስለዚ ኣብ ክልቲኡ ዓወት ንምርግጋፅ ምጥንካር ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ካብ ወፃኢ ነፃፀሩ ፅዕንቶታት ንምሽጋር ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ዓውዲ ጠንኪሩ ምስራሕ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።
ብታሪኩ ለገሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.