Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ተሓሲቡ ክውዕል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ተግባር ክሕደትን መጥቃዕቲን ዝቕፅል 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ተሓሲቡ ክውዕል ኢዩ

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ከበደ ዴሲሳ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ መዓልቲ “ ኣይርሰዖን፣ ኣነ እውን ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝዝከር ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል እናኸፈሎ ዝርከብ መስዋእትነት ንምዝካር፣ ኩሉ ህዝቢ ሓላዊ ሃገሩን ሰራዊትን ምዃኑን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝኾነን ዘርእየሉ መዓልቲ ክኸውን ኢዩ ኢሎም፡፡

24 ጥቅምቲ ኣብ ዝህሉ ስነ-ስርዓት፥ መስዋእቲ ንዝኾኑ ኣባላት ሰራዊትን ክሕደት እቲ ጉጅለ ንምዝካርን ካብ ንጉሆ ሰዓት ሰለስተ ጀሚሩ ኩሉ ህዝቢ ን45 ሰከንድ ኢዱ ኣብ ኣፍ ልቡ ብምግባር ጠጠው ከምዝብል ተሓቢሩ፡፡

ምብራህ ሽምዓን ደሙ እናገበረ ንዝርከብ ሰራዊትን መርሃ ግብሪ ልገሳ ደም ከምዝካየድ እውን እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፆም፡፡

ብበርናባስ ተስፋዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.