Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ 32 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ጉድኣት ከምዘብፅሐ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ 32 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ጉድኣት ከምዘብፅሐ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ፥ ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝዓነዉ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብምትኳር ሎሚ መዓልቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

እቲ መግለፂ ዝሃቡ ሚኒስትር ዴኤታ ኢንዱስትሪ ፌዴሪኢ ኣይተ ሺሰማ ገብረስላሴ፥ “እቶም ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሕድሕዶም ካብ 50 ክሳብ 800 ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ቆፂሮም እናሰርሑ ዝፀንሑ እዮም” ኢሎም።

ኣብ ምግቢን ምግቢ ተንከፍን፤ ኣብ ብረታ ብረት፣ ኣብ መቀነባበሪ ፍሪያት ሕርሻን ኣብ ዓውድታት ጨርቀ መርቂን ዝተዋፈሩ ምንባሮም ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ኣብ ቀፃሊ መጠን እቲ ጉድኣት ተፈልዩ እቶም ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ንምእታው ምንቅስቓስ ከምዝግበር ኣይተ ሺሰማ ተዛሪቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.