Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዞባ ኪልበቲ ረሱ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን እናብፀሖ ዘሎ ጨፍጫፍ ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ሰመራ-ሎግያ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ከተማ ሰመራ-ሎግያ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ “ኪልበቲ ረሱ” እናፈፀሞ ዘሎ ጨፍጫፍ ምፅናት ዘርኢ ዝኹንን ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ነበርቲ እቲ ጉጅለ ኣብ ነበርቲ ዞባ ኪልበቲ ረሱ ኣብ ልዕሊ ዕሸላት፤ ደቂ ኣንስትዮን ሽማግለታትን እናፈፀመ ዘሎ ጨፍጫፍ ምፅናት ዘርኢ ብምኹናን እዩ ነቲ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ ዝርከቡ።

እቶም ሰልፈኛታት ” ግበረ ራዕዲ ህወሓት ፀላኢ ኹሉ ኢትዮጵያዊ እዩ፤ እቲ ጉጅለ ግበረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዕሸላትን ሽማግለታትን እናፈፀሞ ዘሎ ዘይግቡእ ተግባር ብቕልጡፍ ጠጠው ከብል ይግባእ፤ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ዓፋር እዩ” ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት እናስምዑ ንወራሪ ጉጅለ ህወሓት እናኾነኑ ከምዝርከቡ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.