Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጋሸናን ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣንፆኪያን ዜጋታት ብጅምላ ጨፍጪፉ ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ጋሸናን ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣንፆኪያን ዜጋታት ብጅምላ ከምዝጨፍጨፈ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቶም መጥቃዕቲታት ትኽክለኛ መንነት እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ዝገለፀ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን።

እቲ ጉግለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝፈፀሞም ገበናት ጀኖሳይድ ዝብል ቃል ዝገልፁ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

እቲ ጉጅለ ዜጋታት ብጅምላ ረሺኑ ኢዩ፤ ናይ ጅምላ መቓብራት እውን ተረኺቦም ኢዮም ኢለን።

ይኹ እምበር ንሰብኣዊ መሰል ጠጠው ዝበልና ኢና ዝብሉ ሃገራትን ትካላትን፥ ኣብ ጭና፣ ኣጋምሳ፣ ጋሊኮማ፣ ውርጌሳን ካልኦት ብዙሓት ከባቢታትን ዝተሰርሑ ገበናት ድምፆም ከስምዑ ከምዘይከኣሉ ኣብሪሀን።

ዳያስፖራታትን ዜጋታትን ነዚ ሓቂ ንምፍላጥ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣብ ወፃ ዝነብሩ ዜጋታት ብምኽንያት እቲ ኲናት ንዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ እግሪ ንምትካል መንግስቲ እቲ ኩነታት እናፅነዖ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፀን።

ብኣፈወርቅ እያዩ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.