Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናገበሮ ዝርከብ ጎስጓስ ኲናት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝበኣሰ ፀገም ዘቃልዕ ኢዩ – ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ትዴፓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሎሚቅነ እናገበሮ ዝርከብ ጎስጓስ ኲናት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝበኣሰ ፀገም ዘቃልዕ ከምዝኾነ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣይተ ሙሉ ብርሃን ሃይለ ተዛሪቦም።

ኣይተ ሙሉ ብርሃን ሃይለ፥ መራሕቲ ኲናት እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓላፍነት ዝጎደሎን ንህዝቢ ትግራይ ዳግን ናብ ዝኸፍአ ፀገምን መከራን ዘእቱ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ጉጅለ ዘጋጠሞ ፀገም ብልዝብ ካብ ምፍታሕ ብጉልበት ክፈትሖ ኢየ ምባሉ፥ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ፀገም ብምእታው ስልጣኑ ንምጥንኻርን ቅድሚ ሕዚ ዝፈፀሞ ገበን ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ምሕሳቡ ዘርኢ ከምዝኾ እውን ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዝኣተዎ ፀገም ንኽወፅእ እኑ ዘሓቶ ዘበናዊ ፖለቲከኛ የድልዮ ዝበሉ እቶም ሓላፊ ርክብ ህዝቢ፥ ፖለቲካዊ ክሳራ ዘብፀሖ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ድሕሪ ሕዚ ኣተሓሳስቡኡ ዝመኸነ ስለዝኾነ፤ ሓዱሽ ሓሳብ ክፈጥር ኣይኽእልን ምባሎም ትፕኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.