Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምብሓዱሽ ካብ ዝወረሮም ከባቢታት ብህፁፅ ንኽወፅእ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምብሓዱሽ ካብ ዝወረሮም ከባቢታት ብህፁፅ ንኽወፅእን ኣብቲ ቀጠና ዝኸፈቶ ኲናት ጠጠው ንኸብልን ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቡ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ንልዕሊ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ገበን ምጥፋእ ዘርኢ ይፈፅም እምበር ንሓው ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ ብዙሓት ስራሕቲ ብወገን መንግስቲ እቲ ክልለ ከምዝተሰርሐ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ እቲ ክልል ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብቐረባ ብምስራሕ ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ እውን ኣፍሊጡ።

ይኹ እምበር ብሓሶትን ሽርሒን ኣፉ ዝኸፈተ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዓፋር ኪልበቲ ረሱ /ዞባ ክልተ/ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዶብ ጥሒሱ ኣቲዩ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝኸፈቶ ኲናት ኣመልኪቱ መሰረት ዘይብሉ መግለፂ ምውፅኡ ኣፍሊጡ ኢዩ።

“ንሰላም ክንል ወፂአ ኣለኹ ዝብል ሕሶት ይንዛሕ እምበር ወሪሩዎም ካብ ዝነበሩ ከባቢታት ንኽወፅእ ተገይሩ ንፅባሒቱ ካብ 10 ታሕሳስ 2014 ጀሚሩ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል ዝበፅሖ ክሳራ ንምክሕሓስን ሕነ ንምፍዳይን ብዝተፈላለዩ ወረዳታትን ኪልበቲ ረሱን ኣብዓላን መጥቃዕቲ ኣቋሪፁ ኣይፈልጥን” ኢሉ እቲ መግለፂ።

እቲ ጉጅለ መግለፂ ኢሉ ኣብ ዝሃቦ ነበረያ ነበረ ንህዝቢታት ዓፋርን ትግራይን ሓሳቢ መሲሉ ናይ ባዕሉ ዕድመ ግብረ ራዕዲ ንምንዋሕን ህዝቢታት ንምብላዕን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ እናተጠቐመሉ ዝነበረ ሽርሒ ስለዝኾነ፥ ክልቲኦም ኣሕዋት ህዝቢታት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዘጋወሖ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳን ድራማን እንተይተሸዱ ኣብ ጎኑ መንግስቲን ህዝቢን ዓፋር ብምዃን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ጭቆናን ዓፈናን ግዚኡ ከሓፅ ይግባእ ክብል ኣገንዚቡ።

ኣብቲ ከባቢ ዝኾ ይኹን ሓይሊ መንገስቲ ኣብ ዘይብሉን “ወታደራት ኤርትራን ሓይሊ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋርን” ብዝብል ብዕራይ ወለዶ ወረ ሽፋን ብምግባር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዘብፀሖ ጅምላ ጭፍቨፋ ጠጠው ንኸብልን ኣቲዩዎ ካብ ዝነበረ ወረዳታትን ጣቢያታትን ዓፋር ብህፁፅ ንኽወፅእ ንኽግበር ቲ ክልል ሓቲቱ።

መንግስቲ እቲ ክልል ይኹን ህዝቢ ዓፋር ንህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት ወራርን ኲናትን እቲ ጉጅለ ተቛሪፁ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ እውን ኣብቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.