Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ዝተዋደደ ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ቄለምን ምዕራብ ወለጋን ከምኡውን ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ካልኦት ከባቢታት ዝተዋደደ ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት እቲ ክልል ሓረስቶትን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን በምቕንፃል፣ ብምዝራፍን ብምዕጋትን ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፀገም የብፅሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ጉጅለ ንምጥፋእ ምስ ህዝብን ዝተፈላለዩ ኣካላት ፀፅታን ብምዃን ዝተዋደደ ስጉምቲ ይውሰድ ምህላዉ እቲ ቢሮ ኣገንዚቡ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ሃይሌ ጉርሜሳ፥ ኣብ ቄለምን ምዕራብ ወለጋን ከምኡውን ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ካልኦት ከባቢታት ዝተዋደደ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ ኢሎም።

በዚ ድማ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ግብረ ራዕዲ ከምኡውን ብዙሓት ኣፅዋራት ኲናት ኣብ ተሕቲ ቁፅፅር ይውዕሉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝውሰድ ዘሎ ዝተዋደደ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.