Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምድምሳስ ጥምረት ተዋጋእቲ መካናይዝድን እግረኛን ርኡይ ታራ ኣለዎ – ብርጋዴር ጀነራል ብርሃኑ ጥላሁን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ንምድምሳስ ጥምረት ተዋጋእቲ መካናይዝድን እግረኛን ርኡይ ታራ ከምዘለዎ ኣዛዚ ቀዳማይ ኮር እዚ ሰሜን ምዕራብ ብርጋዴር ጀነራል ብርሃኑ ጥላሁን ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንኢትዮጵያ ከፍርስ ኢየ ብዝብል ሕልሚ ካብ ዝተሓብአሉ ዱር ብምውፃእ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወረራ ብምፍፃም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታትን ንብረትን ዕንወት እናብፀሐ ይርከብ።

ብርጋዴር ጀነራል ብርሃኑ፥ እቲ ወራሪ ሓይሊ ሸሊኹ ኣብ ዝኣተወሎም ዝተወሰኑ ከባቢታት ልዑል ስዕረትነር ክሳራን ከምዝበፅሖ ገሊፆም።

እቲ ዓወት ንኽርከብ ድማ ጥምረት ተዋጋእቲ መካናይዝድን እግረኛን ርኡይ ታራ ኣለዎ ኢሎም።

መተሓባበሪ ክፍሊታት ሜካናይዝድን እግረኛን ግምባር ጨጨሆ ከምኡ እውን መተሓባበሪ ሓይሊ ኣየርን ምድሪን ኮሎኔል ዘለቀ ብግደኦም፥ እግረኛታት ተዋጋእቲን ክፍሊ መካናይዝድን ብልዑል ጥበብ ብምምርሑ እቲ ወራሪ ሓይሊ ልዑል ክሳራ በፂሑዎ ዝሰረቖ ንብረት ገዲፉ ከምዝሃደመን እናተኸተሉ ይድምስሱዎ ከምዘለዉን ኣብሪሆም።

ምክትል ኣዛዚ 5ይ ሜካናይዝድ ኮሎኔል ወርቁ ኣሸናፊ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ እናተዋጋእናዮ ንርከብ ኢትዮጵያን ህዝባን ንምሕላው ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ሓፂር እዋን ብምጥፋእ ንህዝብና ዜና ዓወት ክነብስር ኢና ምባሎም ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.