Fana: At a Speed of Life!

ግደ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት ሓበራ መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ግደ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝምልከት ሓበራ መድረኽ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያን ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኢዩ።

ኣካቢ እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ኣይተ ሙሳ ኣደም፥ እቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፈላላዮም ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ብሓደ ጠጠው ዝብሉ ምዃኖም ዘርእዩሉ መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለን ተረኺቦም።

ፓርቲታት ኣብ ህንፀት እቲ ግድብ ክህልዎም ዝኽእል ኩለመዳያዊ ሓገዝ፣ ተሳትፎን ብሄራዊ ረብሓን ዝምልከቱ ጉዳያት ተላዒሎም ምይይጥ ይግበረሎም ኣሎ።

ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ዝርከበሉ ብርኪን ኣብቲ ግድብ ኣድሂቡ ዝግበር ዘሎ ድርድርን እውን ኣካል ናይቲ ዘተ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.