Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ንሃገራት እቲ ከባቢ ዝተርፍ ረብሓ ኣለዎ – ሚኒሰስቴር ጉዳያት ወፃኢ ም/ሚ/ር

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል መህዲ ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ደቡብ ሱዳን ዴንግ ዳው ኣብ እዋናዊን ክልተኣዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሰደር ነቢል ኣብቲ ዘተ፥ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ፣ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ግድብ ህዳሰ ከምኡ እውን ኣብ ኣተገባብራ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘለዉ ሓደሽቲ ለውጢታት ኣመልኪቶም ነቶም ምክትል ሚኒስትር ገለፃ ገይሮም።

ብመንፅር ክልተኣዊ ምትሕብባር፤ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ን145 ደቡብ ሱዳናውያን ተምሃሮ ካብ ዝሃበቶ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ብተወሳኺ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ስፔሻላይዝ ዝገብሩ ሕፁያት ምልመላ ከምዝግበር ኣፍሊጦም።

ምክትል ሚኒስትር ዴንግ ዳው ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንተምሃሮ ደቡብ ሱዳን ዝሃበቶ ናፃ ዕድል ትምህርቲ እታ ሃገር ዘለዋ ሕፅረት ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ እናቃለለ ከምዝኾነ ብምግላፅ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ህንፀት ግድብ ህዳሰ እንትዛዘም ንሃገራት እቲ ከባቢ ዝተርፍ ረብሓ ከምዘለዎ ብምግላፅ ካልኣይ ዙር ምልኢት ማይ ብዓወት ምዝዛሙ ዝተሰመዖም ሓጎዝ ገሊፆም።

መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንኽበፅሕ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ከምዝኾነን ዓለም ለኸ ትካላት እቲ ኩነታት ኣመልኪቶም ዘውፅኡዎም ፀብፃባት ሃናፂ ግደ ኣለዎም ኢሎም ከምዘየኣምኑን ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.