Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ንምዝዛም ህዝቢ ብሓድነት ጠጠው ንኽብል ጉባኤ ትካል ሃይማኖታት ኢትዮጵያ ተላቢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምዝዛም ኩሎም ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብሓድነት ጠጠው ንኽብሉ ጉባኤ ትካል ሃይማኖታት ኢትዮጵያ ተላቢዩ።

ላዕለዎት ሓለውቲን ኣባላትን እቲ ጉባኤ ኣብ ህንፀት እቲ ግድብ ኣድሂቦም ትማሊ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ መግለፂ ድማ ኩሎም ህዝቢታት ኢትዮጵያ፣ ብዓሌት፣ ብቐለም፣ ብሃይማኖት፣ ብብሄርን ብፖለቲካዊ ቅዋምን እንተይተፈላለዩ እቲ ግድብ ንምዝዛም ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

መንግስቲ ድማ ምስ ተፋሰስ ሃገራት ዝገብሮ ድርድር ብሰላማዊ መገዲ ብምቕፃል ብሄራዊ ረብሓ ብዝሕሉ መልክዑ ከካይድ ኣለዎ ክብሉ እቶም ላዕለዎት ሓለውቲ እቲ ጉባኤ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከምዝበሉዎ፥ ግድብ ህዳሰ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ተስፋ ልምዓትን ምዕባለን ምዃኑ ብምግላፅ መንግስቲ ዝገብሮ ድርድር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.