Fana: At a Speed of Life!

 “ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያዊያን መብራህቲን ድራርን”-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያዊያን መብራህቲን ድራርን ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት፥ ምጅማር ምፍልፋል ሓይሊ ካልኣይ ተርባይን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተጀመረ ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ክብ ብምባል ህንፀት እቲ ግድብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋገር ኢዩ ኢሉ።

ካብቲ ግድብ ዝርከብ ኩለ መዳይ ረብሓ ዕላዊ ኮይኑ ንምርኣይ ዘኽአል ዓወት ከምዝኾነ ድማ ገሊፁ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይ ምንም ደገፍ ሃገራት ወፃኢ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዝሰርሖ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ከምዝኾነ ድማ ተዛሪቡ።

ስለዝኾነ ናይ ምትግባር ዓቕሚና ዘርእይ፣ ባህጊ ልምዓትና ዘርእየ፣ ሓበራዊ ዓወትና ብግልፂ ዘርእይ ፕሮጀከት ኢዩ ኢሉ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያዊያን መብራህቲን ድራርን ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ህንፀት እቲ ግድብ ብሓበራዊ ስራሕን ቁርፀኝነትን ኢትዮጵያዊያን ክዛዘም ኢዩ ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.