Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ከምቲ ብሃድነት ፀቢቕናን ደሚቕናን ዝጀመርናዮ፤ ኣምሒሩልናን ደሚቕናን እናሃለወ ክንዛዝሞ ኢና – ም/ቀ/ሚ ኣይተ ደመቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ግድብ ህዳሰ ከምቲ ብሃድነት ፀቢቕናን ደሚቕናን ዝጀመርናዮ፤ ኣምሒሩልናን ደሚቕናን እናሃለወ ክንዛዝሞ ኢና ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

“ግድብ ህዳሰ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፅሐሉ ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ናይ ትማሉ ነስሓና ምምላስ ዝጀመረሉ ግዘ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብመንፅር ክንበፅሖ ዝግባእ ርሕቐት እንትረአ ሕዚ እውን ዝግበር ርብርብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።

ህንፀት እቲ ግድብ ተዛዚሙ ንሕቶታት ምላሽ ዝህብ፣ ንፀገማት መፍትሒ ዘንብር፣ ከምኡ እውን ንወለዶ ሓዱሽ ጩራ ብርሃን ዝፍንጥቕ ንኽኸውን ተሳትፎ ህዝቢ ወሳኒ ከምዝኾነን ኩሉ ሕብረተሰብ ተሳትፉኡ ካብ ትማሊ ብዝበለፀ ከምዘሕይልን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ንዘላቒ ጥዕናን ዕዉት ፍልፍል ሓይሊን ኣብ ላዕለዎት ተፋሰስቲ ሃገራት ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ተጠናኺሪ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ህንፀት እቲ ግድቢ ብዝተማለአ መገዲ ንኽዕወት ብጉለበት፣ ፍልጠትን ገንዘብን ተሳትፎ ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.