Fana: At a Speed of Life!

ጎኒ ንጎኒ መበል 76 ጉባኤ ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ቭዥታ ዘለዎም ወገናት ትኽክለኛ ሓበሬታ ንክሕዙ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጎኒ ንጎኒ መበል 76 ጉባኤ ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ቭዥታ ዘለዎም ወገናት ትኽክለኛ ሓበሬታ ንክሕዙ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ  ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ መንግስታትን ዓለም ለኸ ትካላትን ተወከልቲ ይዛተዩ ከምዘለዉ ኣምባሰደር ዲና ሙፍቲ ገለፆም፡፡

ኣብቲ ዘተ ኣብ  ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ሪኢቶ ዝህቡን ቅዋም ዝሕዙን ወገናት ብምፍላይ ኣብ መረዳዕታ ዝተመስረተ ውሳነ ንክውስኑ ትኽክለኛ መረዳእታ ምሃብ ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት፣ ሰብዓዊ ድጋፍ  አወሃህባ፣ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ  ወገናት ዘለዋ ክልቲኣዊን ሰለስቲኣዊን ርክብ ንምጥንኻር ብዛዕባ ዘለዋ ድልየት፣ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ካብ ሓደ ሓደ  ወገናትዝተሰሓሓተ ግምት ከመይ ምስትኽኻል ክምከኣል  ኣይተ ደመቀ ገለጻ ከምዝገበሩ  አምባሰደር ዲና ምስ ኢቲቪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ተዛሪቦም፡፡

እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ቭዥታ ዘለዎም ወገናት ትኽክለኛ ሓበሬታ ንክሕዙ ንምግባር ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.