Fana: At a Speed of Life!

ጎንፂታት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣሰራርሓ ኣብ ተግባር ውዒሉ – ሚኒስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ጎንፂታት ከይፍጠሩ ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዘኽእል ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣሰራርሓ ኣብ ተግባር ከምዘውዓለ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ዘለዉ ጎንፂታት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዘኽእል ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ከምዝተገበረ ገሊፀን።

እቲ ኣሰራርሓ ቅድመ መጠንቀቕታ ዝህብን ቅልጡፍ መልሲ ንመሃብ ዘኽእልን ስርዓት ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ንዝረኣዩ ጎንፂታት ፍልፍል ሓበሬታ ብምእካብ ኣቐዲምካ ንምፍላጥን ንትንታንን ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥር ኣብሪሀን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጎንፂ ብምፍጣር ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት እቶም 87 ሚኢታዊ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ከምዝተገበረ ዝገለፃ ወይዘሮ ሙፈሪያት፥ ምስ ህዝቢ ብምውዳድ በገበን ዝተጠርጠሩ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ከምዝተጠናኸረ ገሊፀን።

ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ዘኸእሉ ከም ለውጢ ኣመለኻኽታ፣ ሃገራዊ ምርርዳእን ተግባራት ህንፀት ሰላምን ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ተዛሪበን።

ምክትል ጀኔራል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ጌቱ ተክለዮሃንስ ብግደኦም፥ ሰራዊት ፖሊስ ፌዴራል ኣብ ምሕላው ሰላምን ፀፅታን ተልእኹኡ ብሙሉእ ዓቕሙ ንምፍፃም ዘኽእሉዎ ዝተፈላለዩ እታወታት እናተማልኡሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንነዊሕ እዋን እናተጓተቱ ዝፀንሑ ስራሕቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተተግበሩ ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል፥ ብፍላይ ኣብ ምሕላው ሰላም ዝተፈላለዩ ውዳበታት ናይ ምፍጣር ስራሕቲ እናተጣናኸረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ምስ ህዝቢ ተቐራሪብካ ብምስራሕ ዝተጀመረ ስራሕቲ ምኽባር ሰላም ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.