Fana: At a Speed of Life!

ጠፊኡ ዝነበረ ናይ መበል 18 ክፍለ ዘበን ዘውዲ ኢትዮጵያ ተመሊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኔዘርላንድስ ጠፊኡ ንዝነበረ ናይ መበል 18 ክፍለ ዘበን ዘውዲ ኢትዮጵያ ኣረኪቡ።

እቲ ዘውዲ፥ ሚኒስትር ንግዲ ወፃኢን ትሕብብር ልምዓትን ሲግሪድ ካግ ሎሚ መዓልቲ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣረኪቦምዎም።

ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ዶክተር ሂሩት ካሳው ድማ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ተረኪበንኦ።

እቲ ዘውዲ ካብ 1985 ዓ.ም ጀሚሩ ዝጠፍአ እንትኸውን፥ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ኣብ ኔዘርላንድስ ከተማ ሮተርዳም ክርከብ ክኢሉ ኢዩ።

መንግስቲ ኔዘርላንድስ እቲ ሓድጊ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ጠቓሚ ምዃኑ ብምእማን፥ እቲ ዘውዲ ንምምላስ ኩነታት እናማዓራረየ ምፅንሑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ዘወውዲ ናብ ኢትዮያ ንኽለስ ንዝገበሩ ንኣይተ ሲራክ ኣስፋውን መንገስቲ ኔዘርላንድስን ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቲ ዘውዲ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ከተማ መቐለ ንኣንፈንት ደቡብ ምብራቕ ኣስታት 16 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝርከብ ጥንታዊ ቤተ ክርስትያን ስላሴ ጨለቖት ከምዝተሰረቐ ይዝረበሉ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መጽናዕትን ሓለዋን ሓድግታት ኢትዮጵያ ዶክተር ሙሉጌታ ፍስሃ ነዙይ ኣመልኪቶም ንቢቢሲ ከምዝበልዎ፥ እቲ ዘውዲ ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ክፀንሕ ኢዩ።

ድሕሪኡ ድማ ናብ መረበቱ ናብ ቤተ ክርስትያን ስላሴ ጨለቖት ክምለስ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ “ካብ ጨለቖት ቤተ ክርስትያን እዩ ተሰሪቑ፤ መዓዝ ከምዝምለስ ዝወሰናዮ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ ኣብ በዓል ዓወት ኵናት ዓድዋ ክነረክቦ ሓሲብና ኣለና” ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ዘውዲ ናይ ቤተ ክርስትያን ስላሴ ጨለቖት ከምዝኾነ ብናይ ፎቶ መረዳእታ ብምርግጋፁ፥ ናብ ቦትኡ ክምለስ ከምዝተወሰነ እውን ዶክተር ሙሉጌታ ፍስሃ ኣብሪሆም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.