Fana: At a Speed of Life!

ጣሊያን ኣንቢራቶ ዝፀንሐት እገዳ በረራ ክተልዕሎ እያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ጣሊያን ኣንቢሩዎ ዝፀንሐ እገዳ በረራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 3 ሰነ 2020 ንምልዓል ዘኽእል ድንጋገ ኣፅዲቑ።

እቲ ድንጋገ መቐፀልታ ናይቲ ዝገብሮ ዘሎ ምፍኳስ ቀይድታት ዕፅዋ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።

እቲ ብፅኑዕ ተኣጊዱ ዝፀንሐ ኣብ መንጎ ዞባታት ዝግበር ምንቅስቐስ’ውን ካብ ተመሳሳሊ ዕለት ጀሚሩ ክለዓል እዩ።

እታ ሃገር ድሕሪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ንኢኮኖሚኣ ዳግም ንምብርባር ትገብሮ ካብ ዘላ ፃዕርታት እዚ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ይግለፅ።

ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ዝለዓለ ሞት ዘመዝገበት ጣሊያን፥ ኣብዚ እዋን ቁፅሪ ሓድሽ መልከፍቲ ኣዝዩ እዩ ኣንቆልቂሉ ዘሎ።

ልዕሊ 31 ሺሕን 600 ሰባት በቲ ቫይረስ ክሞቱ ከለው፥ እቲ ኣሃዝ ድሕሪ ኣሜሪካን ብሪታኒያን እቲ ዝዓበየ እዩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት እቲ ሕማም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ምስ ተርኣየ፥ ጣሊያን ካብ ሃገራት ኣውሮፓ ፈላመይቲ ምሉእ ዕፅዋ ዝኣወጀት ሃገር እያ ኮይና።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ግና ፋብሪካታት ዳግም ስራሕ ክጅምሩ ብምፍቃድ’ያ ነቲ ቀይዲ ክተፍኩሶ ጀሚራ።

እቲ ድንጋገ ብቀዳማይ ሚኒስትር ጁሰፐ ኮንተ ተፈሪሙ ሎሚ ቀዳም ተሓቲሙ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ድኳናትን ኣብያተ መግብን እውን ካብ 18 ግንቦት ጀሚሩ ማሕበራዊ ርሕቐት ብዝሓለወ ኣገባብ ኣገልግሎት ክህባ ክጅምራ እየን ተባሂሉ።

ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያን’ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ንቅዳሴ ክኽፈታ ምድላዋት ይግበር ኣሎ።

እንተኾነ ግና ምእመናን ኣካላዊ ርሕቐት ክሕልውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ክገብሩን ክግደዱ እዩም።

ካልኦት ሃይማኖታት’ውን ኣገልግሎቶም ከካይዱ ክፍቀደሎም እዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.