Fana: At a Speed of Life!

ጥሙር መንግስቲ እስራኤል ፓርላማ ብምብታን ኣገዳዲ መረፃ ንምግባር ዘኽእል ረቂቕ ከቕርብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥሙር መንግስቲ እስራኤል ፓርላማ ብምብታን ኣገዳዲ መረፃ ንምግባር ዘኽእል ረቂቕ ከቕርብ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ናፍታሊ ቤኔትንን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ያይር ላፒድን ኣብ ቀፃሊ ሰሙን እቲ ረቂቕ ከምዘቕርቡ ኣፍሊጦም።

እቲ ረቂቕ ምስ ፀደቐ ድማ ፓርላማ ብምብታን ኣገዳዲ መረፃ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

መራሕቲ እቲ ጥሙር መንግስቲ ኣብዚ ውሳነ ክበፅሑ ዝኸኣሉ፤ እቲ ጥምረት ንምርግጋእ ዘኽእል ዝበሉዎ ኩሉ ዓይነት ፃዕሪ ፀንቂቖም ምስተጠቐሙ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ረቂቕ ሕጊ እንድሕር ፀዲቑ፥ ላፒድ ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ከምዝኾኑ ኤ ኤፍ ፒ ፀሪሑ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.