Fana: At a Speed of Life!

ጥበብ የኽብር ሃፍቲ የንብር-መንግስቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥበብ የኽብር ሃፍቲ የንብር ብዝብል ርእሲ በዓል ጥምቀት ብዝምልከት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ሰሙናዊ መልእኸቲ ኣመሓላሊፉ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ እንኳዕ ንበዓል ጥምቀት፣ ብሰላም ኣብፀሓኩም! ኣብፅሐና! እንትብል፣ ካብቶም ዘይድህሰሱ ሓድግታት ሓደ ዝኾነ፣ በዓል ጥምቀት፣ ብትካል ባህሊ፣ ሳይንስን፣ ትምህርትን ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ)፣ ኣብ ዝተመዝገበሉ ፅባሕ ኮይንና ነብዕሎ ብምህላውና ፣በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ እንኳዕ ደስ በለካ ይብል።

ሎሚ ዓመት “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ብዝብል መሪሕ ቃል ብድሙቕ ንምፅንባል፣ ኣብ እንሸባሸበሉ ዘለና፣ መበል 45 ዓመት 11 ለካቲት፣ ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሃይማኖታትን እምነታትን ሕገ-መንግስታዊ ውሕስና ክረኽቡ እምነ-ኩርናዕ እያ።

ዓመታዊ በዓል ጥምቀት ሓዊስካ ኩሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ሃይማኖታዊ በዓላት መቦቆሎም ትግራይና ብምዃና፣ ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ፣ ህዝብና ዝሕበነሉ ታሪኽ እዩ። ብምዃኑ ካብ ኩሎም ሃይማኖታዊ በዓላት፣ ህዝብና ተረባሓይ ንምግባር፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ።

ነዙይ እዩ፣ ኣብ ትግራይና ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዘሎ ርክብ ብስጡም ኣገባብ፣ ኣብ ምክብባርን ምክእኣል ተመስሪቱ፣ በብእዋኑ ዝብዓል ዘሎ። እዙይ ድማ ህዝቢ ትግራይ፣ መስተብሃላይነት፣ ዓሚዩቕ ልቦናን ክብርን ስለዝወነነ፣ ትግራይና፣ ዓዲ ሕግን ስርዓት ምዃና ጭቡጥ መርኣያ እዩ። ስለዝኾነ ኣብዚ ዓመት ብውዕዉዕ ኣገባብ ዝበዓል፣ ሃይማኖታዊ በዓል ጥምቀት፣ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ዝዋፈሩ፣ ኩሎም ሰብ ሃፍቲ መዋእለ ንዋዮም፣ ብሓፈሻ ኣብ መላእ ትግራይ፣ ብፍላይ በዓል ጥምቀት ብብርኪ ክልል ኣብ ዝበዓለሉ ዘሎ ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ ከተማ ማይ ጨውን ኩለን ከተማታት ዝርከቡ ሆቴላትን ሎጃትን፣ ኢንቨስት ምግባርን ዓቕምኹም ፀንቂቕኩም ንክትጥቀሙ ዝበረኸ ትፅቢትን ረዚን እምነትን፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስትን ትግራይ እዩ።

ታሪኻዊት ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ እምባ ኣላጀ፣ ካብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ጎቦ ፅበት፣ ብሕታዊ ተፈጥሮኣዊ ቃላይ ትግራይና፣ ዝኾነ ቃላይ ሓሸንገ፣ ደኒ ሕጉምብርዳ፣ ኮረፌ ኦፍላ/ኮረም፣ ገዳማት ማህበር በኩሩን ኣባ ጉባን፣ መስጅድ ሕጅቢ ወራባየ ወይ ጎልጎል ራያ ዝወነነት፣ ንምርኣይን እቲ ኣዝዩ ምቁር ባህሊ ራያ ንምስትምቓርን አእዳዋ ዘርጊሓ ተዳልያ ኣላ፡፡ እቲ በዓል ብውዕዉዕን ፍፁም፣ ሰላማዊ ብዝኾነ ኣገባብ ብምዝዛም፣ ብሓፈሻ ትግራይና፣ ብፍላይ ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ድማ፣ ሰላሙ ውሑስ፣ ብህጉን ዕዉትን ውዕሎ ኮይኑ፣ በዓል ጥምቀት እውን ከምቲ ሎም ዘበን ኣብ ሕዳር ፅዮን ኣኽሱም፣ ልዕሊ 1.5 ሚልየን ኣመንትን 4000 ሽሕ ናይ ወፃኢ ዑደተኛታት ተረኺቦም ብሰላም ንምኽባር፣ ከምኡ እውን፣ መደብ በጀት 2012 ዓመት ዕቀባ ማይን ሓመድን ንምዕዋት ምድላዋትና ወጊንና፣ ብፍላይ ቃላይ ሓሸንገ መስሕብ ቱሪዝም ንምግባር፣ ብሓፈሻ ህዝብና ብፍላይ መናእሰይ ደቡባዊ ዞባ መርኣያ ስራሕ ብምስራሕ ንካልኦት ኣብነት ከምዝኾኑ ተስፋ ይግበር።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ህዝብና ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ሰላም ትግራይና ውሑስ ብምግባሩ፣ 385 ሽሕ ደቂ ዓድን ደቂ ወፃኢ ቱሪስትን ዝተፈላለዩ ሓድግታት ፣ ሕላገትን መስሕብ ቦታታትን ጐብንዮም እዮም፡፡ ብምዃኑ ካብ 340 ሽሕን ደቂ ዓዲ ሃወፅቲ፣ ልዕሊ ብር 544 ሚልየን፣ ካብ ልዕሊ 45 ሽሕ ደቂ ወፃኢ ቱሪስት፣ ድማ ልዕሊ 62 ሚልየን ዶላር ዩኤስ ኣሜሪካ ኣታዊ ኮይኑ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ዙርያ መስተውዓላይ፣ መሪሕነት ልምዓታዊን ዲመክራሲያዊን መንግስትና ዓሲሉ፣ ብፍላይ ኣብዞም ዝሓለፉ ሓደ ዓመትን ትሽዓተ ኣዋርሕን፣ ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝተኣኻኸቡ፣ ፀረ ሰላምን ፀረ ህዝብን ከምኡውን ምስ ጠላማት ግንባር ዝፈጠሩ፣ ሓይልታት ትምክሕቲ ዝምራሕ ፌዴራል መንግስቲ ዘማሓድር ኣካል፣ ብዝበፅሖ ማእለያ ዘይብሎም በደላት ድምብርፅ ከይበለ፣ መንነቱን ድሕንነቱን ኣረጋጊፁ፣ ትግራይና መስሕብ ቱሪዝም ጥራሕ ከይኮነትስ፣ ማዕኸል ኢንቨስትመንት እውን ክትኸውን ኣኽኢሉ እዩ፡፡ ብምዃኑ ካብ ሓደ ሓምለ 2011 ዓ/ም፣ ክሳብ ታሕሳስ 30/2012 ዓ/ም፣ ኣብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ፣ ልዕሊ ብር 17 ቢልየን ካፒታል ንዘለዎም 671 ፕሮጀክት ፍቓድ ኢንቨስትመንት ተዋሂቡ ኣሎ፡፡

ብሓፈሻ ደቂ ትግራይ ካብ ቐደም ካብ ጥንቲ ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ዝብል ብሂል ሒዞም፣ በብመዋዕሉ ዓለም ዘስደምም ታሪኽ ሰሪሖም እዮም፡፡ ብምዃኑ ኣብ ዘበነ ስልጣነ ኣኽሱም፣ ህዝቢ ትግራይ ዝነበርዎ ፀጋታት ተጠቒሙን ብናይ ባዕሉ ፈጠራን፣ ኣብቲ እዋን፣ ኣብ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ስልጣነ በፂሐን ካብ ዝነበራ 10 ሃገራት ሓደ ኮይኑ፣ ንወለዶታት ዝሓለፈን፣ ንቕድሚት እውን ዝሓልፍ ታሪኽ ሰሪሑ እዩ፡፡

ቅድሚ 45 ዓመታት 11 ለካቲት ዝነበረ ናይ ‘’መስዋእቲ ወለዶ’’ እናተብሃለ ዝፅዋዕ መንእሰይ ወለዶ ድማ ድሑራት ስርዓታት መስፍንነትን ወታደራዊ ኣገዛዝኣን ብቕልፅሙ ደርዒሙ፣ ሓመድ ድበ ክኽደኑ ብምግባር ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ብሩህ ጉዕዞ ህዳሴና ብምርግጋፅ፣ ህዝብና ኣብ ሃዲድ ምዕባለ ኣእትዩ፣ ኩሉ በብደረጅኡ ተጠቃማይ ገይሩዎ ጥራሕ ከይኮነስ፣ ሃገርና ኣብ ዓለም ስሉጥ ምዕባለ ካብ ዘመዝገባ ዓሰርተ ሃገራት ሓንቲ ክትኸውን ገይሩ፡፡ እዚ ውፅኢት ልምዓታዊ ዲሞክራሲያዊ ህዝባዊ መስመርና ዝኾነ ኩለ መዳያዊ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ህዝብና ዝሕበነሉ’ምበር ንድሕሪት ዝብለሉ ከምዘይኮነ ፈታውን ፀላእን ክፈልጥ ይግባእ፡፡

ሎሚ ካብ ህዝቢ ትግራይና፣ እቲ ልዕሊ ስሳን ሓሙሽን ሚኢታዊ (65%) መንእሰይ እዩ፡፡ እዚ ቐንዲ ዕቑር ሃፍቲ ትግራይ ‘’ጥበብ የኽብር፣ ሃፍቲ የንብር’’ ዝብል ብሂል ሒዙ፣ ኣኽሱም ዩኒቨርስቲ ብመፅናዕቲ ዝፈለዮም 22 ውፅኢት ኣርኪዮሎጂ ዝኾነ መስሕባት ሓዊስካ ኣብ መላእ ትግራይ ዘለው ኰሎም ቦታታት መስሕብ ብምልማዕን ብምጥቃምን፣ ትግራይ ካብ ድኽነት ሓራ ንምውፃእ ይገብሮ ዘሎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ አሐይሉ፣ ኣብ ፍልጠትን ጥበብን ዝተደረኸ ጉዕዞ ሽትኡ ንክወቅዕ “መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” ዝብል መሪሕ ቃል ተግባራዊ ከምዝገብር፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይጠራጠርን፡፡ ሰናይ በዓል ጥምቀት ዝኾነልና ድማ ይምነ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.