Fana: At a Speed of Life!

ጥንቃቐ ዝደሊ ኣመጋግባ እዋን በዓላት

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን በዓላት ዝግበር ኣመጋግባ ግቡእ ጥንቃቐ አእንተዘይተገይሩ ንፀገም ጥዕና ከቃልዕ ይኽእል፡፡

ምዝዛም መዓልቲታ ፆም ስዒቦም ኣብ ዝመፅኡ በዓላት ዘሎ ኣመጋግባ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ክኸውን ከምዝግባእ ሰብ ሞያ ጥዕና ይምዕዱ፡፡

ምኽንያቱ ድማ ንነዊሕ እዋን ካብ ቅብኣት ነገራት ርሒቑ ዝፀንሐ ጨጎራ ንሕማም ናይ ምቅላዕ ዕድሉ ዕዙዝ ስለዝኾነ ኢዩ ይብሉ፡፡

ጥንቃቐ ዝጎደሎ ኣመጋግባ እንተኾይኑ÷ ከም ምንፋሕ ከብዲ፣ ቁርፀት ከብዲ፣ ጨጎራ ምቅፃልን ካልኦት ሕማማትን ከስዕብ ከምዝኽእል ይገልፁ፡፡

ብምዃኑ ኣብ እዋን በዓላት ፀገም ጥዕና እንተየጋጠመ ንምሕላፍ÷ ዝሰናዳእ ምግቢ ብግቡእቡ ንፅህንኡ ዝተሓለወ ክኸውን ከምዘለዎ ይምዕዱ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዝሰናድኡ ምግቢታት ቅብኣት ዝበዝሖም ከይኾኑ ግቡእ ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ይመኽሩ፡፡

ኣብ እዋን ኣመግጋባ ድማ ቀስ ብቐስ ንጨጎራ ክላመድ ብምግባር ብልክዕን ካብ መጠን ዘይሓለፈን ክኸውን ይግባእ ይብሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.