Fana: At a Speed of Life!

ጥዕና ህፃናት ዝተማለአ ንኽኸውን ዝወሃቡ ክታበታት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህፃናት ካብ ከቢድ ሕማም ንምክልኻል ክታበት ቀሊልን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ሜላ ብምዃኑ ወለዲ ብእዋኑ ንኸኽትቡዎም ይምከር፡፡

ክታበት ንመከላኸሊ ሓደ ተመሓላላፊ ሕማም ኣቐዲሙ ዝውሰድ መድሓኒት እንትኸውን÷ናይ ሰብ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምድንፋዕን ናይ መከላኸሊ ኬሚካላት ከፍሪ ብምግባር ሕማም ቅድሚ ምምፅኡ ይከላኸል፡፡

ክታበታት ኣብ ዓመት ብዙሓት ሕማማት ከይተሓዙ እንትከላኸል÷ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ዋላ የሃልዉ ናብ ኣካላት ኣቲዩ ሕማም ከይፍጠር ይገብር፡፡

ክታበት ካብ ሞንጎ ዝከላኸለሎም ናይ ህፃናት ሕማማት፡-

ዲፕቴሪያ ፡- እዚ ሕማም ሓፊስ ፈሳሲ ኣብ ጎሮሮ ተኸዚኑ ንሳንባ ብምዕፋን ከምኡ እውን ምትንፋስ ብምኽላእ ዘጥቅዕ እንተዘይተሓኪሞም ንሞት ዘቃልዕ ሕማም ኢዩ፡፡

ኣንቅፂ፡- ጭዋዳ ሰውነት ብፍላይ ኣብ ከባቢ ምንጋጋ ዝርከቡ ጭዋዳታት ብምጥንካር ምትንፋስ ንኸኣብዮም ዝገብር ኢዩ፡፡

ትኽትኽታ፦ ብጣዕሚ ከቢድ ዝኾነ ዘየቋርርፅ ሓያል ሰዓል፣ ተምላስ፣ ምትንፋስ ክሳብ ዝኣብዮም ዝበፅሕ ሰዓል እቶም ህፃናት ከጋጥሞም ይኽእል፡፡

ንፍዮ፡- ንፍዮ ብቫይረስ ዝመፅእ ሕማም እንትኸውን ኣብ ሰውነት ሽፍሽፍታን ምሕሓሕን ከጋጥም ይኽእል፡፡

ሕማም ሳንቡእ ህፃናት ፡- ሓደ ህፃን ብፍላይ ትሕቲ 5 ዓመት ኮይኑ ሕማም ርእሲ፣ ሰዓልን ፀገም ምትንፋስን እንተሃሊዩዎ ብሕማም ሳንቡእ ተታሒዙ ክኸውን ይኽእል።

እዚ ሓደገኛ ሕማም ንምክልኻል ዝሕግዙ ክታበታት ብህፃኑ እንተረኺቡ ግን ካብዞም ሕማማት ክሕሎ ይኽእል ኢዩ፡፡

ብኽታበት ክንከላኸሎም ዝካኣል ናይ ህፃናት ሕማማት ኣቐዲምካ ምኽታብ ኣድላዪ ከምዝኾነ ካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፅ  ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ጥቁር ኣንበሳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.