Fana: At a Speed of Life!

ጦር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መጥቃዕቲ ሚሳኤል ከምዝፈፀመ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጦር ሩሲያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ናቑጣታት ዩክሬን መጥቃዕቲ ሚሳኤል ከምዝፈፀመ ተሓቢሩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኪየብ ዝተፈፀመ እቲ መጥቃዕቲ፥ ሓደ መንበሪ ኣባይቲ ህንጻን መውዓሊ ህፃናትን ከምዝዓነዉ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ጥቓ ዶብ ፖላንድ ዝርከብ ሓዊሱ ኣብ ሰሜንን ምዕራን ዩክሬን ኣብ ዝርከቡ ሰለስተ ወታደራዊ ጣቢያታት መሰልጠኒ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ተሓቢሩ።

ሩሲያ ከምዚ ዝበሉ መጥቃዕቲታት ኣከታቲላ እናፈፀመት ትርከብ፤ ኣብ ስፔን ማድሪድ ዝካየደ ጉባኤ ኔቶ ውሑዳት መዓልቲታት ኣብ ዝተረፉሉ እዋን ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ከተማ ኬየቭ ብውሑዱ ሽዱሽተ ምፍንጃራት ከምዝተሰምዑ ሰብ መዚ እቲ ኸባቢ ፀሪሑ ቢቢሲ ዝፀብፀበ እንትኸውን፥ ኣብ ማእኸላይ ከተማ ቼርካሲን ግዝኣት ካርኪቭን እውን መጥቃዕቲ ሚሳኤል ከምዝተፈፀሙ መሰኻኽር ዓይኒ ኣፍሊጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.