Fana: At a Speed of Life!

ፀላእትና ዓሪፎም ዝቕመጡ ብኹሉ ዓውዲ ኣብ ብቕዓት ምርካብናን ክስዕሩና ከምዘይኽእሉ እንትፈልጡን ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀላእትና ዓሪፎም ዝቕመጡ ብኹሉ ዓውዲ ኣብ ብቕዓት ከምንርከብ እንርድኡ፣ ብናውቲን ቴክኖሎጂን በሊፆም ክስዕሩና ከምዘይኽእሉ እንትፈልጡ ጥራሕ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣጅመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒትር ፌዴሪኢን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ጦርን ኣቢይ ኣሕመድ “መኸተ” ኣብ ዝተብሃለ መፅሄት ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝገለፁዎ፥ አትዮጵያ ኣብ ዓውደ ኲናት ብዙሓት ታሪኻት ዝፈፀሙ፣ ዶብ ጥሒሱን መሳርሒ ኣወጣዊጡን ንዝመፅአ ፀላኢ ክሳዱ ደፊኡ ክምለስ ዝገበሩ፣ ንሉኣላዊነት ሃገርን ንናፅነት ዜጋታት መስዋእቲ ምዃን ከም ክብሪ ዝቖፅሩ ጀጋኑ ኣፍሪያ ኢያ።

ካብ ጥንታዊ ኣፈ ታሪኽ ግሪኽ ክሳብ ዘበነ ዓድዋ ጋዜጣታት ኣውሮፓ ጅግንነት ኢትዮጵያ ከምዝተወደሰ ዝሓሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ናይዚ ዘበን ደቃ እውን ካብ ኣቦሓጎታትና ዝወረስናዮ ጅግንነት ሓሊና ንወለዶ ክነውርስ ይግባእ” ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቅርፂ መልክዕን ውግእ ከምዝተቐየረ ብምሕባር፤ “ንሕና ንፀርሖ ሃገራዊ ጅግንትት ብኩነታት ምልውዋጥ ክንደይ ዘኣክል ከምዝተፈተነ ኣብ ካልኣይ ወራር ጣሊያን ርኢና ኢና” ክብሉ ገሊፆ።

መጠን ድልዉነት ምስ ለውጢ ዓለም ሓቢሩ ዘይምኻዱ ሃገር ክሳብ ምስኣን ዝበፅሕ ልዑል ዋጋ ከኽፍል ከምዝኽእል ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ፀላእትና ሎሚ እውን ከም ቀደሞም ፊትንፊት ውግእ እንተይገጠሙ ዝስዕሩሉ መገዲ ካብ ምሕንፃፅ ንደሓር ከምዘይብሉ ሓቢሮም፡፡

ናይ ውሽጢ ሃገር ዕጡቓትን ዝኾዩ ሓይሊታትን ተጠቒሞም ሃገር ኣዳኺም ንምድርባይ እናሓለሙ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ብሓደ ወገን ብምድሪን ብኣየርን ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ብጥንቃቐ እንትንሕሉ፤ ብኻሊእ መዳይ ድማ ወፍሪ ሳይበርን ፕሮፓጋንዳን ዕረፍቲ ብዝኸልእ መልክዑ ይውሕዝ፤ እዚ ሓቂ ደማ ሕድሕድ መዓልቲ ነቒሕና ንኽንሕሉ ናይ ግድን ኢሉና ኢዩ” ኢሎም፡፡

“ንፀላእትና ብስትራቴጂ በሊፅና እንድሕር ዘይተረኺብና ሉኣላውነትና ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ክነቕውም ኣይንኽእልን” ክብሉ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተስፋ ኦትዮጵያ ዘለምልሙ ኣጋጣሚታት ብኹሉ ኣንፈት ዝተኸፈቱሉ እዋን ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

“ንሕና እውን ፀላኢ ከይነብዝሕ ኢልና ናብ ብራኸ ካብ ንገብሮ ጉዕዞ ኣይንገትእን” ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ሓዱሽ ዓመት ብዝተበሰረ ቁፅሪ ተስፋ ኢትዮጵያ እውን እናተበሰረ ከምዝኾነ ናሓሰብና ክንሰርሕ ይግባእ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ሰራዊት ምክልኻል እውን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል መፃኢት ሓያል ሃገር ጥራሕ ዘይኮኑስ ሓለውቲ ተስፋ ኢትዮጵያ ምዃኖም ፈሊጦም ንኽሰርሑ ኣተሓሳሲቦም።

ህልውና ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝኸውንን ብዘላቕነት ዝረጋገፅን ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ነኲናት እንትዳሎ ጥራሕ ከምዝኾነን እዚ እንትበሃል ግን እቲ ሰራዊት ፃሕታሪ ጎንፂ ክኸውን ኢዩ ማለት ከምዘይኮነን ኣብሪሆም።

ሰራዊት ንኲናት ዝሰናዳእ መዕነዊ ዝኾነ ኲናት ንምትራፍ ዘኽእል ዓቕሚ ንምጉልባት ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

“ፀላእትና ዓሪፎም ዝቕመጡ ብኹሉ ዓውዲ ኣብ ብቕዓት ከምንርከብ እንርድኡ፣ ብናውቲን ቴክኖሎጂን በሊፆም ክስዕሩና ከምዘይኽእሉ እንትፈልጡ ጥራሕ ኢዩ” ክብሉ ኣመልኪቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.