Fana: At a Speed of Life!

ፀገማት ኣፍሪካዊያን መፍትሒኦም ብኣፍሪካዊያን ክረኸቡ ኣለዎም – ፕሬዚዳንት ኣልጄሪያ ኣብደልማዲድ ተቦኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፀገማት ኣፍሪካዊያን ብኣፍሪካዊያን መፍትሒ ክረኸቡ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ኣልጄሪያ ኣብደልማዲድ ተቦኒ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ነዙይ ዝገለፁ፥ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ፍሉይ ልኡኽን ፌዴሪኢ ብምዃን ኣብ ኣልጀሪያ እናገልገሉ ዝፀንሑ ኣምባሳደር ኣሚን ኣብደልቃድር ስረሖም ብምዝዛሞም፤ ኣብ ዝነበሮም ናይ መሰነባበቲ ዘተ ኢዩ።

ፕሬዚዳንት አብደልማዲድ፥ ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ፍትሓዊ ተረባሕነትን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተፋሰስቲ ሃገራት ርኡይ ጉድኣት ንዘይምብፃሕ ትገብሮ ዘላ ጥንቃቐ ብኣውንታዊ መልክዑ ከምትሪኦ ገሊፆም።

ፀገማት ሃገራት ኣፍሪካ ኣፍሪካውያን ባዕሎም ክፈትሑ ይግባእ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ዝገለፁ እቶም ፕዚዳንት፥ ጉዳይ ፍትሓዊ ተረባሕነት ኢትዮጵያ እውን ኣብ ማዕቐፍ ኣፍሪካ ንኽረአ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህማትን እዋናዊ ኣቦመንበር እቲ ሕብረት ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ስሪል ራማፎሳን ከምዝተዛተዩ ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኣልጀሪያን ዘሎ ፅቡቕ ርክብ ብዝበለፀ ንምምባል ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ መንግስቶም ዝገብሮ ኩለመዳይ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ብመሰረት እዚ ቀጥታ በረራ ኣየር ሓዊሱ ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳራት ንምግባር ብምቅርራብን ብምትሕብባርን ከስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ኣሚን ኣብደልቃድር፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ግብፂን እናተኻየደ ዝርከብ ሰለስተኣዊ ድርድር ኣመልኪቶም ነቶምፕሬዚዳንት ገለፃ ገይሮምሎም።

ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ዘሎ ኣፈላላይ፥ ንኹሉ ብማዕረን ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲን ተረባሕቲ ብዝገብር ናይ ምትሕብባር መርምርሒ ንኽካየድ ኢትዮጵያ ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዋ እውን እቶም ኣምባሳደር ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.