Fana: At a Speed of Life!

ፀገም ቀረብ መገልገሊ መሳርሒታት ሕክምናን ኣፋውስን ብዘላቒነት ንምፍታሕ ኣሰራርሕኡ ምምሕያሽ ይግባእ – ዶክተር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ብብርኪ ሃገር ውፁእ ዘይኮነ ፀገም ቀረብ መገልገሊ መሳርሒታት ሕክምናን ኣፋውስን ብዘላቒነት ንምፍታሕ ኣሰራርሕኡ ምምሕያሽ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ስራሕ 6 ወርሒ ኣብ ፍላግ ሺፕ ኢንሼቲቭን ቀንዲ ቀንዲ ተግባራትን ትኹረት ብምግባር ይግምግም ኣሎ፡፡

ዶክተር ሊያ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበለኦ፥ ውፁ እ ትልሚ፣ ምንባብን ዝተዋደደ ኣሰራርሓታትን ዳይሬክተራት ካብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወፃኢ ምስ ዘለዉ ትካላት ምትእስሳር ምጥንኻር ይግባእ፡፡

ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ክዛዘሙ ከምዝግባእን ካልኦት ዘይተትሓዙ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲን ኣብ ክለሳ ትልሚ ንኽካተቱ ዝተቐመጠ ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ ስራሕቲ እዋናዊ ኩነታት ብዘገናዘበ መልክዑ ምስራሕ ይግባእ ኢለን፡፡

ፅሬትን ድሕንነትን ግልጋሎት ጥዕና፣ ድሕንነት ሕሙማት፣ ኣመራርሓን ኣመሓድራን ስርዓት ጥዕና ከምኡ እውን ኣሰራርሓ ሪፈራል ምምሕያሽን ኮቪድ 19 ሓዊሱ ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዕቱብ ዝስረሐሎም ጉዳያት ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ዝረአዩ ፀገማት ፀፅታ፥ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፀገም ከምዘስዐበ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.