Fana: At a Speed of Life!

ፀገም ፀፅታ ዘጋጠሞም ከባቢታት ዝተፈለየ መቑረፂ ነጥቢ ንምውሳን ዘገድድ ትንተና ውፅኢት ስለዘይተረኸበ ብስሩዕ መቑረፂ ነጥቢ ክተኣናገድ ተገይሩ ኢዩ – ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገም ፀፅታ ዘጋጠሞም ከባቢታት ዝተፈለየ መቑረፂ ነጥቢ ንምውሳን ዘገድድ ትንተና ውፅኢት ስለዘይተረኸበ ብስሩዕ መቑረፂ ነጥቢ ክተኣናገድ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ትምህርቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ፥ ምስ ውፅኢት ፈተና 12 ክፍሊ መእተዊ ነጥቢ ዩኒቨርሲቲን ተተሓሒዙ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብክልተ ዙር ከምዝተውሃበን ኣብ ቀዳማይ ዙር ፈተና ዓይነት ትምህርቲ ስነ-ዜጋን ስነ-ምግባርን ቅድሚ ፈተና ብምውፀኡን ዝቕባበ ውፅኢት ብምምፅኡን ክስረዝ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ካብ ዝተፈተኑ 554 ሺሕን 682 ተፈተንቲ ተምሃሮ 25 ሚኢታዊ ዝኾኑ ኣብ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ዝምደቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ካልኣይ ዙር ካብ ሞንጎ ዝተፈተኑ 53 ሺሕን 997 ተምሃሮ እቶም 28 ሚኢታዊ ኣብ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ክምደቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ማትሪክ ፈተና 10ይ ክፍሊ ስለዝተረፈ ኣብዚ ዓመት ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ተምሃሮ ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዶም ኢዮም ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ምቕባል ኣብ ዘይኽእሉሉ ኩነታት ካብ ዓሚ ዝሐሸ ቁፅሪ ተምሃሮ ናብ ናይ መንግስቲ ዩኒቨርሲታት ክኣትዉ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 47 ዩኒቨርሲቲታት 147 ሺሕ ተምሃሮ ምደባ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ኣብዚ ዓመት ኣብ 43 ዩኒቨርሲቲታት 152 ሺሕን 14 ተምሃሮ ክምደቡ ከምዝተገበረ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.