Fana: At a Speed of Life!

ፅባሕ ንዝካየድ ህዝበ ውሳነ ምድላው ከምዝተዛዘማ ዝተፈላለያ ዞባታት ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ደቡብ ፅባሕ ንዝካየድ ህዝበ ውሳነ ምድላው ከምዝዛዘማ ዝተፈላለያ ዞባታት ኣፍሊጠን።

ፍሉይ ኣማኻሪ ኣመሓዳሪ ዞባ ጎፋ ተፀዋዒ ህዝበ ውሳነን ብርሃኑ ደቻሳ ከምዝገለፁዎ÷ ምስ ነበርቲ፣ ዓበይቲ ዓዲን ምስ ውዳበታት ቀዲ ኣንስትዮን መናእሰይን ልዝብ ተገይሩ፡፡

ናፃን ፍትሓዊን ህዝበ ውሳነ ንኽግበር ኩሉ ናይ ባዕሉ ግደ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ቦርድ መረፃ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዘዋደዶም 329 ጣቢያታት መረፃ ኣብ ሕድሕድ ጣቢያ እኹል ስልጠና ዝወሰዱ ሰልሰተ ሰብ ሞያ ከምዝተመደቡ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ዞባ 304 ሺሕ መረፅቲ ተዝጊቦም ፅባሕ ድምፂ ንመሃብ ድሉዋት ከምዝኾኑ ኣይተ ብርሃኑ ገሊፆም፡፡

ቤት ፅሕፈት ተፀዋዒ ህዝበ ውሳነ ዞባ ጎፋ÷ ፅባሕ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 ክሳብ ምሸት ሰዓት 12 ኣብ ዝካየድ ህዝበ ውሳነ ነበርቲ ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ብምጥቃም ድምፂ ንኽህቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ዞባ ደቡብ ኦሞ ፅባሕ ንዝካየድ ህዝበ ውሳነ እኹል ምድላው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ንጋቱ ዳንሳ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበሉዎ÷ እቲ ህዝበ ውሳነ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ፀፅታ ንኽካየድ ምድላው ተዛዚሙ።

ነበርቲ እቲ ዞባ ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ብምጥቃም ኣብቲ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ንኽገብሩ ፀውዖም፡፡

ብማቱሳላ ማቴዎስን መለሰ ታደለን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.