Fana: At a Speed of Life!

ፅዋዕ ዓለም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ኩዕሾ እግሪ ፅዋዕ ዓለም 2022 ኳታር ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንምርኢት ዝቐርብ  ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ፡፡

ነበር ተፃዋቲ ክፍሊ ምክልኻል ጋንታ ባርሴሎና ብራዚላዊ ጁሊያኖ ቤሌቲ እታ ፅዋዕ ሒዙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ተገሊፁ።

እታ ፅዋዕ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትትበፅሕ ሚኒትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ኣምባሳደር መስፍን ቸርነትን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም ኣቀባብላ ገይሮም።

እታ ፅዋዕ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ትፀንሐለን ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ሓንቲ ከምዝኾና ተገሊፁ፡፡

ብበኣካል ዳንኤል

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.