Fana: At a Speed of Life!

ፅዕንቶ ወፃኢ ንምፅዋር ዳያስፖራ ገንዘቡ ብሕጋዊ መገዲ ብምልኣኽ ግድኡ ክዋፃእ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ውሳነ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ብዝተዛመደ ዝፍጠሩ ፅዕንቶታት ወፃኢ ንምፅዋር ዳያስፖራ ገንዘቡ ብሕጋዊ መገዲ ብምልኣኽ ግድኡ ክዋፃእ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ውሳነ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፍፀሙ ፅዕንቶታት ምክልኻል ኣብ ዘኽእል ኩነታት ሚሲዮናት ፌዴሪኢን ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ዳያስፖራን ዝተሳተፍሉ ብኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያን ኤምባሲ ፌዴሪኢ ኣብ ካናዳን ዝተሰናደአ መድረኽ ዘተ “ቨርቿል” ተኻይዱ።

እቲ መድረኽ ብመደረ ዝኸፈቱ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን፥ ዳያስፖራ ዝገብሮ ዘሎ ተግባር ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ዝተባባዕ ኢዩ ኢሎም።

ካብ ረብሓ ኢትዮጵያ ብተፃራሪ ደው ዝበሉ ሓይሊታት ዘሰጉምዎ ዝተዋደደ ፅዕንቶ ንምፅዋር ካብ መንግስቲ ይኹን ዳያስፖራ ብዙሓት ስራሕቲ ትፅቢት ከምዝግበር እውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ እቶም ሓይሊታት ውሽጣዊ ተቓላዕነት መንጠላጠሊ ብምግባርን ጉዕዞ ልምዓትና ብምዕንቃፍን ድኽምቲ ሃገር ንኽትከውን ዘኽእል ስትራቴጂ ሓንፂፆምን ተዋዲዶምን ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣይተ ደመቀ ተዛሪቦም።

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ ብግደኦም፥ መንግስቲ ውሳነ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ስዒቡ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ፀገማት ንምቕራፍ ዝተፈላለዩ ስልቲታት በምሕንፃፅ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ኣፀጋሚ ጊዜ ንምሕላፍን ፅዕንቶ ወፃኢ ንምፅዋርን ዳያስፖራ ገንዘቡ ብሕጋዊ መገዲ ብምልኣኽ ግድኡ ክዋፃእ ንከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.