Fana: At a Speed of Life!

ፅገና ኮር ሳይት ሽረ እንትዛዘም ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ኣገለግሎት ቴሌኮም ክረኽቡ ኢዮም-ኢትዮ ቴሌኮም

ኣዲስ ኣበበ፣ 23 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅገና ኮር ሳይት ሽረ እንትዛዘም ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ኣገለግሎት ቴሌኮም ክረኽቡ ኢዮም ክብል ኢትዮ ቴሌኮም ገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮጵያ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ምስ ቴሌቪዥን ፋና ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፥ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ በዝነበረ ኲናት ዝበፅሐ ዕንወት ንምፍላጥ ፅንዓት የድሊ ኢለን።

እቲ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ምእታው ክሳብ ዝከኣለሎም ከባቢታት ሰራሕተኛታት ፅገና ከምዝተልኣኹ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ብዝተወሰነ መገዲ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

ነዚ እውን ኣብ ከተማታት ማይፀብሪ፣ ኣላማጣ፣ ኮረምን ዓዲ ኣርቃይን  ብሞባይል ደምፂ ምርኻብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ፅገና ኮር ሳይት ሽረ እንትዛዘም ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ኣገለግሎት ቴሌኮም ክረኽቡ ኢዮም ኢለን።

ካብ ሽረ ቐፂሉ ከተማ ኣኽሱምን ዓድዋን ኣገልግሎት ንክረኽባ ዘኽእል መተሓላለፊ መስማር ፍተሻ ከምዝተጀመረ ገሊፀን።

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.