Fana: At a Speed of Life!

ፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገምጋም 6 ኣዋርሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መድረኽ ገምጋም መደባት 6 ኣዋርሕን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ጀሚሩ።

እቲ መድረኽ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ዝጀመረ እንትኸውን፥ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ፀፅታ፣ ኣወሃህባ ሓገዝ ንተመዛበልቲን ምክልኻል ቫይረስኮሮናን ትኹረት ብምግባር ዘተ ከምዝግበር ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ኣብረሃም በላይ ገሊፆም።

ኣፈፃፅማ ስራሕ ትካል ወሃብቲ ኣገልግሎት እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር እውን ክግምገም ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ሓለፍቲ ቢሮን ኣመራርሓ ዞባታትን ይሳተፉ ከምዘለዉ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.